ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝተፈላለየ ግልጋሎት ዝውዕል ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2015 ዓ.ም በቲ ዘፍሪ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2015 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2015 ዓ.ም ከቕርብ ዝኽእል፣

5 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ፈፂሙ ዝተኸልከለ እዩ፣

6. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣታዊ ክገብሩ ዝኸእሉ፣

7. መኸበሪ ጨረታ ብር 5,000.00 (ብር ሓሙሽተ ሺሕ) ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ፣ 8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10 ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳኸን ይኽእል፣

11. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 50.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. እዚ ጨረታ ዕለት 04/03/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ኣዳራሽ ማልት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

13. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo