ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ማይ መሐከሚ ኪኒናን ሳሙናን ( Aqua tab & Muli Purpose Soap ) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡

ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ስለዚ ኣብቲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር፡፡

1. ናይ 2015 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /100.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኸእሉ፡፡

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብለ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቁፅሪ፣ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡ 

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ካብ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 20/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 06/03/2016 ዓ.ም እዮ :: ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ /5፡00/ ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ፡፡

5 ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 06/03/2016 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::

6 እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡

7 ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን ፡፡

9. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo