ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኲሓ ኣብ ምም/ር ክ/ከተማ ኲሓ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ናይ ፅ/መሳርሒ ፣ ፅሬት መሳርሕን፣ ሕትመትን፣ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ። ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ረቋሓታት ዝተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

መወዳደሪ ረቑሓ፦

1. ናይ 2015 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ፣ ምዝገባ ቲን ቑፅርን ከቕርብ ዝኽእል

2. ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት 20/02/2016 ዓ/ም ክሳብ 4/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 03:30 ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ዝካኣል ኮይኑ ዕለት 4/03/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሽጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይክዓ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

3. መኽበሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 ፣ ንፅሬትኣቁሑት ፣ንሕትመትን ኤለክትሮኒክስን 3000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብ ባንኪ ቑፅሪ 1000539477424 ኣታዊ ብምግባር ከትሕዝ ዝኽእል

4. ኣብ ዕ/መሳርሒ ጨረታ ዝሳተፉ መቕረብቲ ቫት ተመዝገብቲ ጥራሕ ኮይኖም ናይ ወርሒ መስከረም ዲክለሬሽን ከቕርቡ ኣለዎም ።ከምኡዉን ንፅሬት ኣቁሑት፣ ሕትመትን፣ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሐትን እትጫረቱ ንኹሉ ነጋዶ ዝሓወሰ ይኸዉን፡ ፡

5. መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ብር 50.00 እዩ።

6. ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል ኣብ ሓደ ፖስታ ፣ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ነንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ከእትው ኣለዎም

7. ተጫራታይ ኣብ ሰነድ ጨረታ መዐሸጊ ፖስታን ናይ ተጫረቲ ሽም ፣ ክታም ፣ ኣድራሻን ማሕተምን ከዕርፍ ኣለዎ ። ኣብ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ኣዕሪፉ እንተዘይመሊሱ ኣብቲ ጨረታ ኣይወዳደርን ። 

8. ኣብቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ክዓ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ስነስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተዓናቐፍን 

9. ተጫራቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስርን ናይ ውዕሊ መኽበሪ 10% ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝን ኣለዎ። ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ድማ ንብረት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

10. ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20% ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰሉ ሕሉው እዩ

11. ኣብዘዳለናዮ ሰነድ ጨረታ ስፔስፊኬሽን መለክዒ ካልእ ዝኾነ ዓይነት መስተኻኸሊ ምግባር ተቐባልነት የብሉን ። ኣስተኻኺሉ ዝመፅእ ነጋዳይ እንተዸኣሃልዩ ግን በቲ ቤት ፅሕፈት ዘዳለዎ ስፔስፊኬሽን ከምዝተጫረተ ተሓሲቡ ናብ ውድድር ይሓልፍ

12. ቤት ፅሕፈት ዘሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ

13. ሰዓራይ ናይ ትራንስፖርት፣ ምፅዓንን ምርጋፍን ባዕሉ ይኽእል

14. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914748829 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል

ቅዳሕ፦

➢ ንንግዲ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ

"ምስ ሰላምታ"

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo