ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሐ ኣብ ምም/ር ክ/ከተማ ኩሐ ንዝርከባ ዝተፈላለዩ ኣበያተ ፅሕፈት ናይ ፅ/መሳርሒ ፡ ፅሬት መሳርሒን ፡ ሕትመት ፡ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

1 ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ምዝገባ ቲን ቁፅርን ከቅርብ ዝክእል

2 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/2/2016 ዓም ክሳብ 4/03/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 4/03/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

3 መክበሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 ንፅሬት ኣቅሑት ንሕትመት ኤሌክትሮኒክስ 3000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብ ባንኪ ቁፅሪ 1000539477424 ኣታዊ ብምግባር ከትሕዝ ዝክእል

4 ኣብ ፅ/መሳርሒ ጨረታ ዝሳተፉ መቅረባይነት ቫት ተመዝገብቲ ጥራሕ ኮይኖም ናይ ወርሒ መስከረም ዲክላራሽን ከቅርቡ አለዎም ከምእዉን ንፅሬት ኣቅሑት ሕትመትን ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት እትጫረቱ ንኩሉ ነጋዶ ዝሐወሰ ይከዉን

5 መግዚ ሰነድ ጨረታ ብር 50 እዩ

6 ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል ኣብ ሐደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ነንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ አለዎም

7 ተጫራታይ ኣብ ሰነድ ጨረታ መዐሸጊ ፖስታን ናይ ተጫረቲ ሽም ክታም ኣድራሻን ማሕተምን ክዕርፍ አለዎ ኣብ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ኣዕሪፉን እንተዘይመሊሱ ኣብቲ ጨረታ ኣይወዳደርን

8 ኣብቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ከዓ ወኪላት ብዛይ ምቅራቦም ሰነስርዓት ምክፋት ጨረታ ኣይተዓናቀፍን

9 ተጫራቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሽድሽተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዉዕሊ መክበሪ 10 ሚእታዊ ብባንክ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝን አለዎ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ድማ ንብረትአታዊ ክገብር አለዎ

10 ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ሕለዉ እዩ

11 ኣብዘደላናዩ ሰነድ ጨረታ ስፔስፊኬሽን መለክዒ ካልእ ዝኮነ ዓይነት መሰተካካሊ ምግባር ተቀባልነት የብሉን ኣስተካካሊ ዝመፅእ ናጋዳይ እንተዳኣሃልዩ ግን በቲ ቤት ፅሕፈትና ዘዳለዎ ስፔስፊኬሽን ክምዝተጫረቱ ተሓሳቢ ናብ ዉድድር ይሓልፍ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ሰዓራይ ናይ ትራስፖርት ምፅዓንን ምርጋፍን ባዕሉ ይክእል

14 ተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914748829

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo