ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓምት ንቤት ፅሕፈትና ንዝትፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ናይ ግብሪ ከፋላይ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ቫት ዲክለሬ ዝገበረሉ ከምኡ እዉን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል ክከዉን አለዎ

2 ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት 20/2/2016 ዓም ክሳብ 10/3/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብር 50 እናከፈልኩም ክትወስዱ ትክእሉ

3 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/3/2016 ዓም በቲ ዐለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት እንትከዉን ጨረታ ዝከፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 11/3/2016 ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ሕጋዊያን ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊያን ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

4 ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌቴር ክረዲት ስፒኦ ብር 3000 ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል ክከዉን አለዎ

5 ሰዓራይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጎዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣቅሪቡ ከረክብ ዝክእል ክክዉን አለዎ

6 መቅረብቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኩም ከምኡ እዉን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዕን ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ፊርማን ዝዓረፎ ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቨሎፕ ፖስታ ዓሺግኩም ንቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ምብራቅ ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእተዉ አለኩም

7 ተወዳደርቲ ዋጋ እንትመልእ ቫት ዝሐወሰ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ንክትመልእ ንሕብር

8 ዋጋ ጨረታ ዐኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን60 መዓልቲታት ይከዉን

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ኣድራሻና ትግራይ መቀለ ቀበሌ 17 ፊት ንፊት ማረት ኮብልስቶን እትዉ ኢልካ ኣብ ምም/ር ዞባ ደ/ምብራቅ ፍትሒ ዞባ ዞባ ደ/ምብራቅ ኢልኩም ክትረክቡና ትክእሉ

ንዝተዳለወ ሐበሬታ ብሞባይ ቁፅሪ 0933101421 ወይ 0996170835

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo