ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ ናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ማእከል ህንፃ ዕደጋ ከፀግን ስለዝደለየ ነዚ ስራሕ ብደረጃ 7 ን ልዕሊኢን ብርኪ ቢሲ ወይ እዉን ጂሲ ፍቃድ ስራሕ ዘለኩም ስራሕ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ዉቅሮ

1 ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ወረቀት ምስክር እዉን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለ ካፋሊ ግብሪ ዘለዎ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንስራሕ ተኮናተርቲ ዝተዉሃበ ምዝገባ ካርድ ዘለዎ ተኮይኑ ቅድሚ ጨረታ ምዕፃዉ ኣቅሪቡ ከገናዝብ አለዎ

5 መከበሪ ጨረታ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ዝተዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ገንዘብ ክፍሊት መአዘዚ ወይ እዉን ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ 125,000 ሐደ ሚኢትን ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕ ከቅርብ አለዎ

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፐሮጀክት ናይ ማእከል ዕደጋ ህንፃ ሳራሕቲ ካብ ዝተረከብሉ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 150 ተከታታተልቲ መዓልቲታት ሙለእ  ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

7 ከሉም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 20 ጥቅምቲ 2016 ዓም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ 800 ቅርሺ ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ

8 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ወጋ ዝሐዘ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ወሲዶም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅደሕን ተባሀሊ ክፃሐፈሉ ገይሮም ኩሎም ፖስታት ድማ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ አብ  ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ናብ ዝተዳለወ ሳንደቅ ጨረታ ክሰብ 20 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም

9 ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዒታት ብሙሉኦም ብትክልል መሊኦም ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ እዉን ፊሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እዉን እንተይዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ዝነበረ ከየጎደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጎደለን ትክክል ዘይተመለአ ሰነድ ድማ ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝግበር ምካኑ ክፈልጡ አለዎም

10 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫሪቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 20 ሕዳር 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብቲ ቅድም ኢሊ ዝተገለፀ ኣድራሽ ክክፈት እዩ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ብኣካል ብምቅራብ ወይ እዉን ብሞባይል 0914123175 0945464700

ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo