ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ ንኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ፅሬት : ኤሊክትሮኒክስን : ኣቁሑት መለዋወጢ መኪና አወዳዲሩ ክዕድግ ሰለዝደለየ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ

1 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ ዘበኑ 2015 ን 2016 ዓም ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዉን ከቅርብ ዝክእል

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን  ወረዳ ታሕታይ ማጨዉ ክፍሊ ቁፅረ 1 ሰነድ ጨረታ ካብ 14 ጥቅምቲ 2016 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል

4 ሰነድ ጨረታ ብስምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብንፁር ናይ ሐደ ጠቅላላ ዋጋ መሊኡ ክሳብ 29 ጥቅመቲ 2016 ዓም  ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይግባእ

5 ሰነድ ጨረታ ብቅዳሕ ዘይቅረበ ተጫረቲ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ 29 ጥቅምቲ 2016 ዐም ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 መከበሪ ዉሕስና ዝምለስ ቢድቦንድ ን አሌክትሮኒከስ ን ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈትን ንነብስወከፎም 10000 ቅርሺ ንኣቅሑት ፅረት 3000 ቅርሺ ንኣቅሑት : መለዋወጢ መኪና ድማ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም

8 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘብሉን ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ድማ ማህተም ፊርማ ክዓርፎ ይግባእ

9 ተጫረቲ ካብ ሐፈሻዊ ዝሰዓርዎ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ጨረታ ምስዓሮም ካብ ዝፈለጥሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ብመሰረት ዝተኣዘዞ ዝርዝር በዝሒን ፅሬትን ከረከቡ ምካኖም ክፈልጡ አለዎም

10 እቲ በት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰል ከም ዝለዎ ዉን ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም

12 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲታት ይከዉን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo