ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባ ሃፍቲ ኣብ 2016 በጀት ዓመት ቲን ሕትመታት ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ግልጋሎት ዝዉዕል ንምሕታም ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከሐትም ይደሊ።

ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ

ስለዚ

1. በ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

3. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/VAT ዝተመዝገበ፣ VA ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ነሓሰ/2015 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

4. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2015 ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ ቲን ሴርቲፍኬት ሕትመት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት የሐቲሙ ከቅርብ ዝኸእል፣

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደ ሚዒቲ ቅርሺ ጥራሕ እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 16/02/2016 ዓ/ም ክሳብ 30/02/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣ 

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ንሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 5,000.00/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን /Bureau of finance & Resource Coordination/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

9. እቲ ጨረታ ዕለት 30/02/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡30 ቅ/ሰዓት ተዓዕዩ በቲ ዕለት ስዓት 5፡00 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት።

10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝሕተም ሕትመት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ።

12 ሰዓራይ እቲ ናይ ቲን ሴርቲፍኬት ሕትመት ብበዓል ሞያ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963/0914136662/ ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ፡

ምስ ሰላምታ

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo