ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርት ልምዓትን ዕዳጋን ትግራይ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ህንፃ ዝርከብ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን :መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን

1 ዝተዳለወ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ኣጀንሲ ደይሬክተሮት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 410 ራብዓይ ደብሪ ብምምፃእ ካብ 13 ጥቅምቲ 2016 ዓም ሰነድ ጨረታ ብምግዛኣ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ወይ ናይ ባዕሉኵም መቅረቢ ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ክሳብ ዕለት 3 ሕዳር 2016 ዓም ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ክትገብሩ እትክእሉ

2 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቀረብቲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት መለለይ ግብሪ ከፋሊቲን ናምበር ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሰት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ዲክለሬ ዝገበረሉ ቅዳሕ ምስ ጨረታ ደኩመንት ሓቢሩ ኣታዊ ምቅራብ ይግባእ

3 ነብሰ ወከፍ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈትን መለዋወጢ መኪናን መከበሪ ጨረታ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ስፒኦ 3000 ቅርሺ ብሽም ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርትን ልምዓትን ዕዳጋን ትግራይ ብምስራሕ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

4 እቲ ጨረታ 3 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 3 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ኣጀንሲና ዳይረክቶሪት ዕደጋ ፋናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 410 /4 ደብሪ ይክፈት

5 ሰዓራይ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝስዓሮ ኣቅሓ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምእሳር ዉዕሊ መከበሪ ጨረታ ይወስድ ዝሰዓሮ ንብረታት ድማ ብናይ ባዕሉ መጎዓዚ አታዊ ክገበር ዝክእል

6 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ንተወሳኪ ሐበረታ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo