ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ካይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋን ንብረትን ፋይናንስን ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንደስላሴ ኣብ ምምሕዳ ምርግጋፅ ትሕዝቶ መሬትን ካዳስተርን ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ ፅሬት ናዉቲ : ናዉቲ ገዛ ኣቅሑ : ንቂራ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ኣቅሑ : ንቂራ ግልጋሎት ዝዉዕል ናዉቲ ሕክምና : ስራሕቲ ሕትመት ብግልፂ ጨረታ አወዳደሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደፍተር ዘለዎ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ግበሪ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ቫት ሰርተፊከት ዘለዎን ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም ቫት ሪፖርት ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

6 ሰነድ ጨረተ 6 ክሳብ 20 ጥቅምቲ 2016 ዓም ሰዓት 11:30 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ እንዳስላሴ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረትን  ፋይንስን ቢሮ ቁፅሪ 15 ብር 150 ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ

7 ጨረታ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ረፋድ ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓም ሳዓት 4:30 ረፋደ በዓሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ ኣማሊኡ እንተተሪኪቡ ብዘይለዉሉ ይክፈት

9 መከብሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 18000: ናይ ፅሬት ናዉቲ ብር 5000 :ናዉቲ ገዛ ንቂረ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ብር 5000 ናዉቲታት መኪና 15000 : ናዉቲ ሕክምና ግልጋሎት ንቂራ ዝዉዕል ብር 5000:  ንሰራሕቲ ሕትመት 5000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብስፒኦ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል

9 ናይ ጨረታ ሰነድ ብንፁር ዝንበብን ስረዝ ድልዝ ዘይብሉ እንተኮይኑ ኡዉን ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ናይ ባዕሎም ወይ ወኪሎም ፊርማን ማሕተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ድማ ማሕተም ትካሎም ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከእትዉ ይግባእ

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተወሓደ ን 20 መዓልቲታት ዝፀንዐ ይከዉን

11 እቲ ቤት መዘጋጃ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo