ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓድግራት ንናይ ከተምኦ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቁሑት ኣሌክትሮኒክስ ካብ መደበኛ በጀት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

1 ናይዚ ዘበን ግበሪ ዝከፈሉምን በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡን ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሰት ታክስ ዝተመዝገብኩም መረዳአታ እዋናዊ ሒሳብ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ተጫቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 13 ጥቅምቲ 2016 ክሳብ 26 ጥቅመቲ 2016 ዓም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓድግራት ምዉሳድ ትክእሉ

 5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንኢሌክትሮኒክስ 15000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ ይግባእ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓድግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልካታ ካብ ዝተጋወሐሉ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

7 እዚ ጨረታ 27 ጥቅምቲ 2016 ዐም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓድግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ግና ፊርማ ባዓል ዋና ክዓርፎ ይግባእ

9 ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ እተመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሰት ታክስ ክከዉን ይግባእ

10 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዝዓባ ተወሳኪ እሰት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ተወሳኪ አሰት ታክስ ከምዝተመለአ ተሐሳቢ ይግበር

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማህተም ፈርማን ናይቲ ትካል ክገብረሉ ይግባእ

12 እቲ በት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበረታ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0914123546 ወይ 0941336816

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo