ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ Wal Mounted AC ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቑሓ እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1. ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ አትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPo ከትሕዙ ዝኸእሉ፡፡ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሓዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ፣

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 14/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 409 ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 14/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 28/2/2016 ዓ.ም 3፡00 ናይ ንግሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

5. ጨረታ ዕለት 28/2/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሸጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ይኸፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልቲ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፣

9. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡

ምስ ሰላምታ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo