ቤት ፅሕፋት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ኣብ 2016 ዓም ንሴከተራት ካብ ዝተመደበሎም በጀት ንግልጋሎት ዝወዕል ዝተፋላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኤሊክትሮኒክስን : ሞተር ሳይክልን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝለዎም በዚ ዘፈር ንግዲ ናይ 2015ን 2016 ዓም በጀት ዓመት ዝሐደሰ ቲን ቁፅሪ ዝተመዝገበ ክወዳደር ይክእል

2 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፋት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ከተማ ዓድዋ ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይክእሉ

3 ኣብ ተወሳኪ እስት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ዲክለረሽን ዘቅርብ ቲን ዝተመዝገበ ምካኑ መረጋገፂ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንኤሊክትሮኒክስ 100,010.00 : ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 4000 : ናይ ሞተርሳይክል 4000 ኮይኑ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰረቲፋይድ ቸክ ማለት ዉን ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ዉሕስና ባንኪ ለተር ኦፍ ክሬዲት ከትሕዝ ዝክእል

5 ካብ ቤት ፅሕፋት ትልምን ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባነት ምስክር ወረቀት ዝሐዘ ኮይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ከተማ ዓድዋ ቤት ፅሕፋት ትልምን ፋይናንስን ከቅርብ ዝክእል

6 ኩሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 28 መስከረም 2016 ዓም ክሳብ 13 ጥቅምቲ 2016ዓም ናብ ዝተደላዉ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክሳብ 4:00 ኣታዊ ኮይኑ ልክዕ በቲ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2016ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ጨረታ ይክፈት

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዚ ካብ 35 መዓልቲታት ዘይበለፅ ይከዉን

8 ተጫረቲ ንዘቅርብዎ ንብረት ብፍላይ ድማ ናይ አሌክትሮኒክስ ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝክእልን ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ድማ ቤት ፅሕፈት ብዘቅርቦ ስፐስፊከሽን ከቅርብ ዝክእል

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ በሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበረታ 0988043875 ወይድማ 0914152570

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo