ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ ንዝተፋላለዩ ኣብያተ ዕዮ ግልጋሎት ዝዉዕል በመደበኛ መንግስታዊ በጀትን ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ናይ መኪና ጎማን ባትርን ፣መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና፣ ክዕድግን ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን: መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪን /TIN/ ምስክር ወረቀት ዘለዎን፤

2 ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተወሳኪ እሴታ ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2013ዓም ተወሳኪ እሴታ ታክሲ ዲክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል፤

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ንሕድሕድ 5000 ብሰፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ዝኮነ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

5 ጨረታ ሰዓሪ ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ  ከቅርብ ዝክእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ከፊልካ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ  ቢሮ ቁፅሪ 1 ብሰዓት ስራሕ ጥራሕ ምዉሳድ ይከኣል፡፡

7 ዋና ሰነድ ጨረታ ምሉእ ሰነድን ቅዳሕን ብምግባር ኣብ ሐደ ፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ሳንዱቀ ጨረታ ኣታዊ ይግበር፡

8 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 01/03/2013 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም እዉን ናይ ጨረታ ሕጊ ዘየማልእ እንተኮይኑ እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን፡፡

10 ካብ ተጫራታይ በዝሒ ንብረት ወይ እዉን መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ እዉን ክቅንስ ይክእል እዩ፡፡

11 ተጫረቲ ዘእተዉዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን30 መዓልቲ እዩ፡፡

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ዉይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ 09 14 78 26 86

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo