ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨዉ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ማይ ቢል ሶፍትዌር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨዉ

1 ቫት ተመዝገበቲ ክትጫረቱ ትክእሉ

2 ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኽፈለን መረጋገፂ ዘቅርብ

3 ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ዝቅርብ

4 ናይቶም ንብረት ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝሕዘ ንምዉሳድ ዘይምለስ ብር 50 (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ዕለት 13/02/2013 ዓ ጀሚሩ ካብ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቑፅሪ 2 ብምዉሳድ ዋንኡን ፎቶ ኮፒ ናይ ጨረታ ሰነድ አብ ምእሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማሕተምን ብምዕራፍ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

5 ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ብስክርቢቶ እምበር ብእርሳስ ክፅሓፍ የብሉን

6 ጨረታ ተጠቂዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 13/02/2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 27/02/2013 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ይኸዉን

7 እቲ ጨረታ ዕለት 27/02/ 2013 ዓም ሰዓት 8:10 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8:20 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አበ ዝተረከብለ ናይ ማይ ቱቦ ብረትን መገጣጠሚታት ናይ ማይ ቆፀርቲን አብ ከተማ ማይጨዉ ይክፈት

8 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ10,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO የትሕዙ

9 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓረዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% መኽበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኵን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቐፅሪ ስልኪ 09 14 09 69 82 ወይ ከዓ 03 47 77 12 76 ኹሉ ግዜ አብ ስራሕ ሰዓት ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo