ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳርን መጓዓዝያን ወረዳ ናዕዴር ከይዲ ስራሕ ህንፀትን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፃ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዝኮነ ኣብ ዘባ ማእኸል ወረዳ ናዕዴር ጣብያ ተርገይ ዝርከብ ኣብ ጥዕና ጣብያ ዝርከብ 1 ብሎክ ኤምሲኤች ዋን ንምስራሕ ኣብ መላአ ትግራይ ትርከቡ ብደረጃ 8ተ BC /GC ብርኪ ፈቃድ ኣናእሸተይ ንግዲ ትካላትን ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ጨረታ ብተሳጋሪ ፕሮጀክት አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳርን መጓዓዝያን ወረዳ ናዕዴር

1 ናይ 2013ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንት ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተወሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት

2 ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ሽም ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ኮንስትራክሽን ማለት ተካናታራይነት ብቅዓት ምዝገባ ወረቀት ተመዝጋባይነት ከፋሊ ግብሪ

3 ናይ ወረቀት መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ 2012ዓ/ም ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ምስክር ወረቀት ዘቅርቡ

4 መኸበሪ ጨረታ 10,000.00 ቅርሺ ጥራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ብሔራዊ ባንክ ኢ/ያ ወይ ካብ ዝተፈቀዶሎም ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ስፒኦ ከቅርብ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ፕሮጀክት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 450 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚመም ከረክቡ ኣለዎም

6 ተጫረቲ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳርን መጓዓዝያን ወረዳ ናዕዴር ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፀትን ዲዛይንን ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ቅዳሕ ካብ 12/02/2013ዓ/ም ጀሚሩ ምዉሳድ ይክእሉ እዮም

7 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ክሳብ 02/03/2013ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብምእታዉ እቲ ጨረታ ዕለት 02/03/2013ዓ/ም ሰዓት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 43 29 02 72 /03 43 29 02 36 /09 10 97 29 75

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo