ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ምብራቕ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፣መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ሕትመት ካብ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ምብራቅ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2012/13 ዓ/ም ዘሐደስኩም ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝከፈልኩም

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተጫረቲ ተመዝገብቲ እሴት ታክስ እንተኮይንኩም ናይ ወርሒ ነሓሰ 2012 ዓ ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ይግባእ

4 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ  3000 ቅርሺ  ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዙ ይግባእ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለተ 15/02/2013ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ 29/02/ 2013 ዓ ም ምዉሳድ ትክእሉ

6 ሳንዱቅ ጨረታ 29/02/2013 ዓ ም ሰዓት 8 ፡10 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ይክፈት

7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል

8እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን።ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዋ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክዓርፎ ይግባእ

9 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተም ናይቲ ኣካል ክግበረሉ ይግባእ

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ናብቲ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ወይንድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344452083 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo