ካልኣይ ብርኪን መሰናድኦን ቤት ትምህርቲ መሰቦ አብ 2008 ዓ/ም ንግልጋሎት ቤት ትምህርቲ ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ አቑሑት

2ይ ብርኪን መሰናድኦን ቤት ትምህርቲ መሰቦ
  • ናዉቲ ጨንፈር ማእከል (መቐስ :ምስማር :ማርቴሎ :ድሪል :ፕሮትራክተር :ቻርት ወረቐት: ካርታ : ኮን : ፕራሚድ : ኣቦጀዲድ :ፔፐር ከተር)
  • ናዉቲ ፅገና ሽቃቅ /ማይ (ፎሴት :ጌት ቫልቭ : ኢልቦዉ : ተርኪሽሸክላ)
  • ናዉቲን ዕጥቅታት ስፖርትን (ዝተፈላለዩ ኩዕሶታት : ፐምፕ መነፍሒ: ፊሽካ :ዳማ :ገበጣ)
  • ፅሕፈት መሳርሒ (ቀለም: ስቴንሲል: መዝገብ ቃለ ጉባኤ)
  • ናዉቲ ኬሚካላትን ቤተፈተነ
  • መፃሕፍቲ ቤተ ንባብ

ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዝተፀርሑ ረቋሒታት ተማልኡ መቅረብቲ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋልነት መለለዩ ቲን ነምበር ከቕርብ ዝክእል

3 እዋናዊ ግብሪ ዝኸፈልኩምን መረዳእታ እተቅርቡ ናይ ወርሒ ጥሪ ቫት ዲክሌር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ከፋልነት መረዳእታ ዘቕርብ ክኾነ አለዎ

5 ሕጋዊ ናይ መቕረባይነት መረዳእታ ዘቕርብ

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ዉሕስና ካብቲ ዘቕርቦ ጠቅላላ ዋጋ ክልተ ሚኢታዊ (2%) ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብሸም እዚ ቤት ትምህርቲ ከቕርብ ዝኽእል

7 እቲ ሰዓራይ ዉዕሊ ቕድሚ ምእሳሩ መኽበሪ ዉዕሊ ዉሕስና ካብቲ ዘቕረቦ ጠቕላላ ዋጋ ዓሰርተ ሚኢታዊ 10% ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእለ

8 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ነቶም ኣቕሐታት ናብ ቤት ትምህርቲ ዘቕርብ

9 እቲ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ አበ ዉሽጢ ዓሰርተ (10) መዓለቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል

10 ዉዕሊ ድሕሪ ምእሳር እንተነዉሐ አበ ዉሽጢ ዓሰርተ (10) መዓለቲ አታዊ ክገብር ዝኽእል

11 ቅድሚ ዉዕሊ ምእሳር እቲi ቤት ትምህርቲ ዝርዝር ዝገዝኦም ኣቕሓታት ክሳብ ሚኢታዊ (20%) ነቲ ነፀላ ዋጋ ከይተንከፈ ክዉስክ ወይ ድማ ክንኪ ይኽእል

12 ካብቲ ሰነድ ወፃኢ ዝኾኑ ስፐሰፊኬሽናት (መፍለዩ) ተቐባልነት የብሎምን

13 መቕረብቲ ኣበቲ ሰነድ ንዝቕርብዎ ዋጋ ታክስ ዝሐዉስ ምኹዋኑ ክገልፁ አለዎም

14 ናሙና ከቕርብ እንተሕተት ከቕርብ ዝክእል

15 እቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን አብቲ ሰነድ ብዕሊ ክግለፅ አለዎ

16 እቲ ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 22/6/2008 ክሳብ ዕለት 08/7/2008 ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይኸዉን

17 እቲ ጨረታ ዕለት 08/07/08 ሰዓት 4:00 ቅቀ ተዓፅዩ ዕለት 08/7/2008 ሰዓት 4:30 ቅ.ቀ ይኽፈት

18 እቲ ሰነድ ከማላእ ከሎ መለለዩ ቀፅሪ ዕድጊት ክገልፅ አለዎ

19 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር ዒስራ (20) ብምክፋል አብ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 2 ብምምፃእ ምዉሳድ ይከኣል

20 ቴክኒካዊ መግለፅን ፋይናንሳዊ መግለፅን ነንበይኖም ብኢንቨሎፕ ምስተኣሸጉ ኣብ ሐደ ዓብዩ ኢንቨሎፕ ከጥመሩ አለዎም

21 መቕረብቲ ንዘለዎም ሕቶታት ቅድሚ ምዕፃዉ እቲ ጨረታ ብፅሑፍ ከቕርብ አለዎም

22 እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

23 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ ቁፅሪ ስልኪ 0348990244 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

    አድራሻ ክፍለ ከተማ ሰሜን  ጥቓ እንዳ አቡና አረጋዊ

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo