ሆስፒታል ማያኒ ሽራሮ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፣ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት ፣ኤለክትሪክ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኮምፒተር አክሰሰሪ፣ ሕትመት፣ ናይ ሰብ መድሓኒትን ፣ናዉቲ ሕክምናን ፣ናዉቲ ፅሬት ፣ጨርቃ ጨርቅን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ኣብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም

ሆስፒታል ማያኒ ሽራሮ
  1. በቲ ዓዉዲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  2. ናይ 2007 ዓም ገብሪ ዘበን ዝከፈልኩም ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም
  4. ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም
  5. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም
  6. ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ በምግባር ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺግኩም ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ክትእትዉ ይግባእ
  7. ንመድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ እተቅርቡን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሆስፒታል ማያኒ ሽራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምምሕዳርን ክትወስዱ ትክእሉ
  8. ካብ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ወፃኢ ካልእ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝርከብ ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ ትክእሉ
  9. ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረገንዘብ ወይድማ ካብ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ሲፒኦ ወይዉን ቼክ 10% ክተትሕዙ ይግባእ
  10. ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ሕጋዊ ሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፂ መአዘዚ ሕጋዊ ቼክን አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ 5000 ቅርሺ ክትትሕዙ ይግባእ
  11. ሰነድ ጨረታ ካብ 21 ለካቲት 2008 ዓም ክሳብ 5 መጋቢት 2008 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ
  12. እቲ ጨረታ 5 መጋቢት 2008 ዓም ሰዓት 9፡ 30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 10፡ 00ይክፈት
  13. ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 60 መዓልቲ ይከዉን
  14. እቲ ቤት ፅሕፈት ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን ዝግዛእ ንብረት ከምአድላይነቱ ካብ ነፍስወከፍ ነፀላ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምንካይ መሰል አለዎ

መተሓሳሰቢ

ነፍስወከፍ ናይ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ሆስፒታል መቅረቢ ሰንጠረዠ ብፅሬትን ብንፁሩን ክምላእ ይግበእ

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

0348500071 /0348500074 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo