ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ዝዉገዱ / ዘገልገሉ ንብረት/ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ጎማ ስፔር ፓርትን ቀወምቲ ንብረትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ ስለዚ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ክትዕድጉ እትደልዩ ንዕድም

ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ -ግዕዝይናን ክልል ትግራይ

1 ዋጋ ዝመለእሉ ናይ ጨረታ  ሰነድ ኣብ ኮምሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ዳ/ዕድ/ፋይ/ንብ/ምም/ር 10 ብር ብምኽፋል ካብ 22/01/2013ዓ/ም ክሳብ 29/01/2013ዓ/ም ዳ/ዕድ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 261 ምዉሳድ ይካኣል

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ 1000.00 ብጥረ ገንዘብ ብሽም ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ

3 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 29/01/2013ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለወሉ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ድ/ቐትሪ ይክፈት

4 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 20 መዓልቲ ጥራሕ ይኸዉን

5 እቲ ኮምሽን ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 44 17

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo