ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ብበጀት ዓመት 2013ዓ/ም ኣብቲ ወረዳ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈታት ኣጎልግሎት ዝዉዕል ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ ስራሕቲ ሕትመት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣መለዋዋጢ ኣቅሑት መኪናን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩምን ዝሐደሰ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩምን፤

2 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ዝሐደሰን፤

3 ብዘይካ ኣብ ኣቅሑ ፅሬት ኣብ ተወሳኪ እስት ታክስ ተመዝጋቢ ኮይኖም ናይ ወርሒ ሰነ2012ዓ/ም ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤

4 ኩሉ ዝተሐተተ መረድእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና ወይ መከበሪ መሳርሒ ፅሕፈትን መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን 5000 ቅርሺ፣  ንስራሕቲ ሕትመትን ንኣቅሑ ፅሬት3000 እቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊኦም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ፡፡

7 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 07/01/2013 ዓ/ም ክሳብ 22/01/2013ዓ/ም ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ድማ 22/01/2013 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብግልፂ ይክፈት፤

8 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታታሊ 35 መዓልቲ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኮነ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝተዉሃበ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈትና  ወረዳ ኣስገደ  ኣታዊ ክገብር ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘቀረበ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክ ወይ ምንካይ መሰል ኣለዎ፡፡

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo