ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ኣብ 2013 ዓ/ም በጀት ዓመት ጋራዣት ብምዉድዳር መካይን ከፀግን ስለዝደሊ ከብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ

1. ናይ 2011/12 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርትፊኬት /TIN/ ፣ ናይ መቕረባይ ሰርቴፊኬት ፣ ናይ 2011/12 ዝተሓደሰ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን ብቅዓት መረጋገፂ ጋራዣት ሰርትፊኬት ፣ ባት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ሰነ ወርሓዊ ዲክሌረሽን ከቅርብ ዝክእልን

2. ተጫረቲ ካብ ዝከፈሎ ዊዝ ሆልድ 2% (ክልተ ፐርሰንት) ክኽፋል ግዴታ አለዎ

3. ንዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምክፋል ካብ ምዕራባዊ ዞባ ምምሕዳር መምርሒ ትልምን ፋይናንሰነ ጉጅለ ዕዳጋን ንብረት ምምሕዳርን ሑመራ /ክፍሊ ቑፅሪ 11 ካብ ዕለት 07/01/2012ዓ/ም ክሳዕ 21/01/2013ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ

4. ተጫራታይ ንዝስዕሮም ፅገናታት ዉሕስና ክህብ ዝክእል

5. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ሽም፣ ፌርማ፡ ኣድራሻ፣ ማህተም ክግበሮ ኣለዎ

6. ተጫረቲ ዝወዳደሩሉ ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ቅጥዒ ኣብ ባዕሉ ክመልኡ ኣለዎም

7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ብእቮሎፕ ብሽምዒ ተዓሺጉ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ምምሕዳር ጉጅለ ዕዳጋን ንብረት ምምሕዳር ሑመራ ክፍሊ ቁፅሪ 11 ካብ ዕለት 07/01/2013 ክሳብ ዕለት 22/12/2013 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ነጉሆ አታዊ ክትገብሩ ይዕድም

8. እቲ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 22/01/20113 ሰዓት 3፡00 ንጎሆ ተዓሺጉ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ በዚ ዕለት እዚ ሰዓት 3፡30 ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ምምሕዳር ጉጅለ ዕዳጋን ንብረትን ምምሕዳርን ሑመራ ቢሮ ቑፅሪ 11ይክፈት ተወዳዳርቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጋጎልን

9. እቲ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻል ቴክኒካል ኣብ 2ተ ፖስታ መሊኦም ናብ ሳንዱቅ ክእትዉ ኣለዎም

10. ተጫራታይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ብር /ሓምሽተ ሽሕ በር/ ናይ መኽበሪ ጨረታ ዉሕስና ክቅርብ ዝኽእል

11. ፅገና ግልጋሎት መዉሃቢ ቦታ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ይከዉን

12. ተጫረቲ ንዝስዓርዎ ዓይነት ፅገና ዉዕል ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ፅገና ክጅምር ዝክእሉ

13. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ የኩን ብልክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0344480001 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo