ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ግልጋሎት ከተማ ዓ/ዓዲ ካብ ዕለት 07/01/2013ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/01/2013ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ሒሳብ ምንቕስቃስ ብደገ ኦዲተራት ኦዲት ክግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ አመራርሓ ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቀደሎም ዉልቀ ኦዲተራት ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኦዲት ክገብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ንክትሳተፉ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

1 ንቤት ዕዩና ኦዲት ንምክያድ ዘክእል ብርኪ ሐደ ወይ ክልተ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም

2 ናይ 2012 ዓም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ: ንግዲ ምዝገባ :ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ: መለለይ ግበሪ ከፋላይነት ለካልኦት ንጨረታ ዝጠቀሙ መረዳእታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዘክእል

3 ኦዲት ዘገብር ሒሳብ ኣብ ከተማ ዓ/ዓዲ ትካል ምካኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

4 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፋሳስን ከተማ ዓ/ዓዲ ቢሮ ቁፅሪ 22 ካብ ዕለት 07/ 01 /2013ም ክሳብ ዕለት 26/ 01 /2013 ዓም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ምዉሳድ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴኪኒካልን መወዳደሪ ቅጥዒታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእታኩም ምስ ዋና ኦርጅናል ብምግንዛብ ፋይነንሻል ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይቡ ኣብ ክልተ ፖታ ቴክኒካል ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብጠቅላላ ኣብ 4ተ ፖስታ በዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫረቲ ሸም ኣድራሻ ፊርማ ኦርጅናልን ዋናን ኮፒን ተባሂሉ ተጻሒፍሉ ማህተምን ዓሪፍዎ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ዓ/ዓዲ ቢሮ ቁፅሪ 22 ዝተዳለወ ሳፁን ካብ ዕለት 07 /01/ 2013 ዓም ክሳብ ዕለት 26/01/2013 ዓም ከእትዉ አለዎም

6 እቲ ጨረታ ኣብ በጌት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ቢሮ ቁፅሪ07 ካብ ዕለት 26/01 /2013 ዓም ክሳብ 26/01/ 2013 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:15 ድ ቀትሪ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቡም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ቤት ዕየና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ በስልኪ ቁጽሪ 03 44 46 01 62

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo