ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ ማይ ከተማ መቐለ ን 2008 ዓ/ም ዘገልግል ደንበታት ስራሕ ክዳንን ጫማን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ

ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ቀረብ ማይ ከተማ መቐለ

1 በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ሐድሽ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉ

2 መረዳእታ መፍለይ ከፈልቲ ግብሪ (TIN NO) መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ መወደእታወ ርሒ ሒሳብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ

4 ተጫረቲ ብመሰረት ዝቀረበ ዝርዝር መሊኡ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ መቅረብቲ ካብ 9 የካቲት 2008 ዓም ክሳብ 22 የካቲት 2008 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

5 መክበሪ ጨረታ 8000 (ሸሞንተ ሽሕ) ብ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ቅድሚ እቲ ፖስታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 ጨረታ ዝዕሸገሉ 22 የካቲት 2008 ሰዓት 4:00 ኻይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት : ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረከቡ ነቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይዓግትዎን

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ

8 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫረቲ እቲ ዘቀረበዎ ዋጋ አቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ደሌት መግለፂ ጥራሕ ክመልእዎ አለዎም

11 ነብስ ወከፍ ገፅ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክዓርፎ አለዎ

12 አድራሻ ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕን ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 13

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44407335 ደዊልካ ምርካብ ይከኣል እዩ

Â

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo