ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ፓምፕታትን ኣቅሑት መለዋወጢ ኤሌክትሪክን ፣ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ኤች ዲቢ ኢን GI ትቦ መገጣጠምን ፣ ኣቅሑት ላብላቶሪ ክሎሪንን፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌክትሮኒክስን ፣ ኣቅሑት ቢሮን ፣ ፅሬትን ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መካይን ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ክገዘእ ስለዝደለየ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ

1 ናይ 2012/13 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ናይ ግብሪ ከፈላይነት መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ወርሒ ነሓሰ2012 ዓም ቫት ዝተከፈሎ ድክላሬሽን ወይ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ንሕድሕድ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

4 ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ፓምፕታትን ኣቅሑት መለዋወጢ ኤሌክትሪክን 20,000 ቅርሺ፣ ኤች ዲቢ ኢን GI ትቦ መገጣጠምን 15,000ቅርሺ፣ ኣቅሑት ላብላቶሪ ክሎሪንን 5000 ቅርሺ፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን ኣቅሑት ቢሮንን ፅሬትን 10000 ቅርሺ ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መካይን 5000 ቅርሺከትሕዝ ዝክእል

5 ጨረታ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 05/01/2013ዓም ክሳብ19/01/2013ዓም ኮይኑ 19/01/2013 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት እሱ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታቶም ሽም ፊርማን ማህተምን ዘለዎ ኮይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ማለት አዉን ፖስታ መሊእኩም ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ነንበይኑ ዝተዓሸገ ክክዉን አለዎ

7 ሰዓራይ ምኮኑ ምስተፈለጠ እቲ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ከም ኩነታቱ እንዳተረአየ ኣበ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ ከቅርብ አለዎ

8 ኣብ ርክክብ ግዚ ነቲ ዝወፀ መነፀርታ ማዕረ ምካኑ ብባዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ንቅበል

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344444339 /0344442716

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo