ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳንሻ ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓም ካብ ሕብረተሰብ ኣታዊ ዝገበሮ ገንዘብ መቀመጢ ተምሃሮ ዴስክ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ነጋዶ በዚ ስዒቡ ዘሎ ረቋሕታት ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳንሻ
  1. ግብሪ 2008 ዓም ዝከፈለን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ዋና ምስቅዳሕ ገይሩ ዘቅርብ
  2. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ ዋናን ቅዳሕን ገይሩ ዘቅርብ
  3. ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገበን መረዳእታ ዋና ምስቅዳሕ ገይሩ ዘቅርብ
  4. 2% ዊዝሆልድ ግብሪ ክከፍል ዝክእል
  5. ተጫራቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ Â ቤት ትምህርቲ ዳንሻ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክወስድ ይክእል
  6. መከበሪ ጨረታ 1000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእልን ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ነቶም ጨረታ ተሳዓርቲ ዘትሐዝዎ መከበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሎም እንትከዉን ሰዓርቲ ንዝኮኑ ተጫረቲ መከበሪ ዉዕሊ ኣትሒዞም ዉዕሊ ምስኣሰሩ ዘትሐዝዎ መከበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሎም እንትከዉን ዉዕሊ እንተዘይኣትሒዞም ግን ዘትሐዝዎ መከበሪ ጨረታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይግበር
  7. Â ተጫረቲ ዝወስድዎ ሰነድ ጨረታ ኣብ ነፍስወከፍ ገፅ ሰነድ ጨረታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታን ናይቲ ትካል ሽምን ክታምን ማህተምን ክገብርሉ አለዎም
  8. እቲ ዝስራሕ ዴስክ መቀመጢ ተምሃሮ ደረጅኡ ብናይ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደረጃ ዝኮነ
  9. ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ዕለት 8 የካቲት 2008 ዓም ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይክእሉ
  10. ጨረታ ዕለት 24 የካቲት 2008 ዓም ሰዓት 6፡20 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ዕለት 25 የካቲት 2008 ዓም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳንሻ ይክፈት
  11. ተጫረቲ ኣብ ምክፋት ጨረታ ክርከቡ አለዎም ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይቃረፅን
  12. ሰዓራይ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብበዓል ሞያ ትክክለኛነት ናይቲ ንብረት ድሕሪ ምርግጋፁን ርክክብ ድሕሪ ምፍፃሙን ክፍሊ ዝፍፀም እንትከዉን እቲ ንብረት ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ብልሽት እንተሃሊዎ ንብረት ቀይሩ ናይ ምርካብ ግቡእ አለዎ
  13. ሰዓራይ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር
  14. ብዉዕሊ መሰረት እቲ መቀመጢ ዴስክ ተምሃሮ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ሰሪሑ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዘቅርብ
  15. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማሪፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ መስራዝ መሰል አለዎ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914770217Â ወይድማ 0914135134 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo