ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ አቑሑ ክዕድግ ይደሊ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ምድብ 1 ናይ ማይ መማረፂ መሸን (Water treatment plant produce 8m3/hours) ምስ ተኸላ

ምድብ 2 ናይ ተጠባበቂ ኤሌክትሪል ጄነሬተር ( Standby power generator )

ምድብ 3 ናይ ማይ ምስ HDPE pipe መገጣጠሚኡ ዝርግሐ ሰራሕትን ኣቕርቦትን

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንምድብ 1 ብር 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ንካልኦት ምድባት ነንሕድሕዶመ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም Â CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ጥሪ 2008 ዓ/ምÂ ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቅርብ ዘለዎ እንትኸዉ ንዋንኡ /ኦርጀናልን/ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት : CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጀናል ዶክመንተ ክተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50Â /ሓምሳ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከም ኡዉ ንተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪቑፅሪÂ 03 44 40 28 01Â ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 07/06 /2008 ዓ/ም እስካብ 22 /06/ 2008 ዓ/ምÂ ኾይኑ ዕለት 22/06Â /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00Â ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን 22/ 06 /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮÂ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

Â

Â

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo