ቤት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ፣ ፅሕፈት መሳርሕን፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ ብኣኽብሮት ፃዊዒት የቕርብ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት

1 በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2012ዓ/ም ቫት ተመዝጋቢ ዝኾኑ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ዓ/ም ናይ ቫት ዲክለሬሽን መፍለይ ቁፅሪ ናይ ግብሪ ከፋላይነት ሰርተፊኬት ከምኡ አዉን ዝተሓደሰ ናይ 2012መቕረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝኽእል

2 ካብ ትካልና ደጋፊ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቁፀሪ 28 ካብ ዕለት 25/12/2012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/01/2013 ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ 50 ብር ብምክፋል ዕለት 05/01/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ንጊሆ ብምዕፃዉ ወይ ከዓ ብምሽዓግ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ 05/01/2013ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም  ይኽእሉ እዮም

3 ተጫረቲ ሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ መከበሪ ጨረታ 6000.00 ብር ሎት 2 ፅሬት ኣቅሑት መኸበሪ ጨረታ 3000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይም ብስፒኦ ወይም ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን መሰረት ንብረት ከእቱ ዝኽእል

5 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 62 84

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo