ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ንናይ ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ማይ መስተ ዝርጋሐ ጋርድ ሃዉስን ታነከር ምስራሕን ብግልፂ ጨረታ ከጫርት ስለዝደለ ሕጋዉያን ነጋዶ እቲ ጨረታ ክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም

ወረዳ እንደርታ ማይን ማዕድንን ኢነርጅን

በዚ መሰረት ሕጋዊያን ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም በዚ መሰረት ከማልእዎም ዝግቦኦም ረቋሕታትÂ ብዘፈር ንግዱ ዝምልከቶ ኮይኑ

  1. ናይ 2008 ዓ ም ንግዲ ፍቃድ ዝሓደሰን ግብሪ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. መስመር ዝርጋሐ ጋርድሃዉስን ታንከር ምስራሕን ኣብ ጣብያ ደርጊዓጀን ካብ ሕልሻን ናብ ኣራቡረን ጭጫትን ብናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ተጫረቲ ደረጃ 8 አናእሽተይ
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ 2008 ዓም ም ናይ ወርሒ ጥሪ ወርሓዊ ዲክላራሽን ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ መቅረብቲ ምዝገባ ሰርትፍኬት ወይንዉን ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል ናይ2008ን ዝሓደሰን ክከዉን ኣለዎ መለለዩ ቁፅሪ ግብሪ ቲን ነምበር ከቅርብ ዝክእል
  5. ተጫረቲ ናይ ማይ መስተ ዝርጋሐ ጋርድሃዉስን ታንከር ምስራሕን በቢዘፈሩ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም Â ንብረት ዘይምልስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ እንደርታ ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 2 ምዉሳድ ይከኣል
  6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድÂ 12,000 ቅርሺ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. ጨረታÂ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 3 ለካቲት ጥቅንቲ 2008 ዓ ምÂ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 18 ለካቲት 2008 ዓ ም ሰዓት 4 ፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 18 ለካቲት 2008 ዓ ም ሰዓት 4 ፡30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጂናል ወይዉን ዋና ኣብሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ሓደ ፖስታ ነንበይኖም ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣቱ
  9. ናይቲ ጨረታ ሙሉእ ኣድራሻ ማሕተም ፊርማን ክህልዎ ኣለዎም
  10. ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20 ናይ ምዉሳክን ናይ ምቅናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ
  11. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ናይ ማይ ዘፈር ኮንስትራክሽን ብቅዓት መረጋገፂ ፍቃድ ዘለዎም
  12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ
  13. ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo