ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሴ መኪና ዝፅገናሉ ጋራዥን ፣ ንሞተር ሳይክል ፣ ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑትን ዝፅግን በዓል ሙያ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክፀግን ንደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ


መብርሂ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 09 38 18 00 24 /09 14 37 66 74 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤ መቅረባይነትን ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

2 ተጫረቲ ብናይ ባዕሉ ዘርፊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

3 ተጫረቲ ካብ ዝምልከቶ 4ይ ደረጃ ልዕሊኡን መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ

4 ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኾኑን ናይ ወርሒ ሰነ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መኸበሪ ጨረታ ንሞተር ሳይክል ፅገና በዓል ሞያ 10,000.00 ቅርሺ ፣ ንናይ መኪና ፅገና ጋራዥ 10,000.00 ቅርሺ ፣ ፅገና ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑትን5,000.00፣ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ኣለዎ።

6 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/እንዳ ስላሴ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

7 ዋጋ ን45 መዓልቲታት ፀኒዑ ይፀንሕ

8 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 13/12/2012ዓ/ም ክሳብ 28/12/2012ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 28/12/2012 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

9እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።


ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo