ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ን 2013ዓ/ም በጀሀት ዓመት ንማእኸል ሰራሕተኛታትን ንተሃነፅቲ ኣጎልግሎት ዝህባ 2ተ ሚኒባስ መኪና ክካረ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ እዞም ዝስዕቡ ረቃሕታት ክተማልኡ ይግባእ

ቤት ህንፀት ኣክሱም

1 ናይ 2012/2013ዓ/ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ መቕረባይነት ፣ ቲን ናምበር ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ኣጎልግሎት ግብሪ ዓመታዊ ክፍሊት ዝከፈለ ምኻኑ መረጋገፂ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ መኪና ብርኪ 1ይ ወይ ድማ 2ይ ዝኮነት ሙሉእ ዉሕስና ሳልሳይ ወገን ዝኣተወ ምኻኑ መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል

4 በዝሒ ሚኒባሳት 2ተ ኮይነን ንሕድሕድ ሊብሬ 12 ሰብ ዝሕዛ ክኮና ኣለዎን ናይታ መኪና ዝገልፅ ሕጋዊ ሊብሬ ዝኮነን ሕጋዊ መንጃ ፍቃድ ካብ 3ይ ንላዕሊ ክኮዉን ኣለዎ

5 እቲ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ኣክሱም ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 ብምቅራብ ንዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኩም ክትወስዱ ንሕብር።

6 እቲ ጨረታ ዝወፀአኣሉ ዕለት 15/12/2012ዓ/ም ክሳብ 02/13/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረከብ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ትኸእሉ።

7 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት እሱ 02/13/2012 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡ 15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ዘይተረኪቦም ድማ ኣብ ዘየለውሉ ይኽፈት።

8 መኸበሪ ጨረታ 50000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእል ፤

9 ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም እቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-754682 ምድዋል ይከኣል እዩ


ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo