ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል ሳብመርሳብል ፓምፕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ/ም ቫት ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡን Monument

2 ናይ /2008 ዓ/ም ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ዘሐደሱን ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

3 ብኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ኣብ መቕረባይ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 54 ዘይምለስ ብር 30.00 /ሰላሳ ብር /ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 01/06/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/06/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራ ሰዓት ዓዲጎም ፋይናንሻል ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፕን ነንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንደቅ ኣታዊ ይገብሩ

6 ቴክኒካል ደኩመንት 1ደ ኦርጀናል 1ደ ኮፒን ፋይናንሻል ዶክመንት ድማ 1ደ ኦርጅናል 1ደ ኮፒን ብጠቅላላ 4ተ ደኩመንት ነንበይኑ ተዓሺጉ አብ ልዕሊ ሕድሕድ ፖስታ ናይ ትካሎም ማህተም ክዓርፎ አለዎ ብተወሳኪ ኣብ ልዕሊ ፖስታ ቴክኒካል ደኩመንት ፋይናንሻል ደኩመንት ዝብል ክፀሐፈሉ አለዎ

7 ን 2008 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ: TIN :መቅረባይነት : VAT ዲክለሬሽን :ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ VAT ምኻኖም መረዳእታን ካልኦት ካብ ዋጋ ዝገልፅ ሰነድ ወፃኢ ዘለዉ ደኩመንት ኣብ ቴክኒካል ደኩመንት ዝሐዘ ፖስታ ክእቱ አለዎ

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 51 ይኸዉን

9 ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብስካ ምግላልን አይክእሉን

10 ጨረታ ዕለት 15/06/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ይዕሸግ

11ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 15/02/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃልዩም ይምረፅ

12 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉን እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን

13 ጨረታ ዝሰዓረ ኣብ ጊዜ ውዕሊ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ከትሕዝ ዝኽእል

14 ዘሸነፍዎ ንብረት መቕረበቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖት ወፃኢ ናብ ማእክል ሃወልቲ ሰማእታት ኣታዊ ክገገብሩ ዝኽእሉ

15 ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅእ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0342400062 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo