እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ አብ ናይ 2007 ዓም ባጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና መደበኛን ዘይ ስሩዕ በጀትን ንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ ናዉቲ ፅሬትን ሕክምናን , ጨረቃ ጨረቂን , ናይ ሕትመት ናዉቲ ሎት 2 ናይ ህንፃ መሳርሒ ሎት 3 ናይ ፕሊምቢንግ ናዉቲ ሎት 4 ናይ ኤሌክትሪክ ናዉቲ ሎት 5

ኮሌጅ ቴክኒክ እንትጮ

ግልፂ ጨረታ ምልክታ ቁፅሪ 2

እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ አብ ናይ 2007 ዓም ባጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና መደበኛን ዘይ ስሩዕ በጀትን ንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ ናዉቲ ፅሬትን ሕክምናን , ጨረቃ ጨረቂን , ናይ ሕትመት ናዉቲ ሎት 2 ናይ ህንፃ መሳርሒ ሎት 3 ናይ ፕሊምቢንግ ናዉቲ ሎት 4 ናይ ኤሌክትሪክ ናዉቲ ሎት 5 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ ዝብሉ ኣብ 5 መደብ መቂሉ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕዳጋ ክፍፅም ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘረ ረቆሓ እትማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትሳተፉ ይዕድም

 

ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቆሓ

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2006 /2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድኩም ዘሐደስኩምን ግብሪ ዝከፈልኩምን

  2. ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ቲን ናምበር ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

  3. ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ዘለኩም ናይ ሓምለ ወርሒ 2006 ዓ/ም ዲክሌሬሽን ክተቅርቡ እትክእሉ::

  4. ተጫረቲ ነዚ ጨረታዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዶክመንት ሰነድ ዘይምለስ 30 ብር /ሳላሳ ብር/ ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ደከስፅፋንብ ምም ርን ባዕሉኩም ወይ ከዓ ብሕጋዊ ወኪልኩም ክትወስዱ ክትዕድጉ እትክእሉ

  5. ንሕድሕድ ዓይነት መደብ ዝተመደበ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ብር 7000 / ሸዉዓተ ሽሕ / ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስም እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ዝተፅሓፈ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ድማ ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ::

  6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እተቅርብዎ ናይ በዓል ዋና ስምን ፌማን ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ብምግባር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ አብ 2 ፖስታ ብምዕሻግ ካብ ነሓሰ 26/ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ መስከረም 13/ 2007 ዓም ስዓት 4:00 ንጎሆ አብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ነዚ ጨረታዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ እትክእሉ::

  7. ተጫራታይ አብቲ ጨረታ ዝስዕሮ ንብረት ብደብዳቤ ወይ ብስልኪ ምስተገለፀሉ አብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን መክበሪ ዉዕሊ 10 % ከትሕዝ ዝክእልን ኮይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ድማ አብ ተከታታሊ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅሊሉ /100 % / ከቅርብ ዝክእል

  8. ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራብ ባዕሉ ብሕጋዊ ወኪሉ አቢሉ ብቴክኒክነ ኮሚቴ ፅሬቱ እናተረጋገፀ አታዊ ክገብር ዝክእል::

  9. ጨረታ ስዒሩ ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 5 ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ግና ዘትሐዞ መክበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይክዉን::

  10. ዝሰዓሮ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ኣታዊ እንትዘይገሩ ካብ ዘይኣቅረቦ ንብረት 1 /1000 ንመዕልቲ አናተቀፅዐ ክሳዕ ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቱ ኣታዊ ዝገብር ይፀንሕ ብዉዕሉ መሠረት እንትዘይፈፂሙ ድማ ዘትሐዞ መክበሪ ዉዕሊ ይዉረስ ኮሌጀና ብምትእጉጎል ብምጉዳል ተሓሲቡ ናብ ክልል ትግራይ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን አዉራ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብመምርሒ ዕዳጋ ሕዳር 2003 ዝእዝዞ መሰረት ደብዳቤ ይፃሓፈሉ

  11. ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 26/ 12 /06 ዓ/ም ክሳብ 13 /01 /07 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ይከዉን::

  12. ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 13/01 /07 ዓ/ም ናይ ንጎሆ ሰዓት 4:00 ይከዉን::

  13. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/01/ 07 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 4:30 ይክፈት::

  14. ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታዚ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ብዙይ ጨረታዚ ዙይ ኣይግደድን /100% ወይ ድማ 50 % ናይ ዕዳጋ ናይ ሕድሕድ ንብረት ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ::


 

ንተወሳኪ ሓበሬታ

ብስልኪ ቁፅሪ 03 48 49 90 19 ሞባይል 0927 75 77 77 ወይከዓ 09 19 04 23 01 ደዊልካ ምሕታት ይካአል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo