ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንቤት ፅሕፈቱ ኣጎልግሎት ዝዉዕል ሎት1 መሳርሒ ፅሕፈት ሎት2 ኣቅሑ ፅሬት ካብ ናይ መደበዓ በጀት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀንታት እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት

1 ግብሪ እዚ ዘመን ዝከፈልኩም በቲ ዘፈር ኣግባብነት ዘለዎ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ዘለኩም

3 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ዘቅርቡ

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩንሉን በቢ እዋኑ ዲክለር ዝገበሩኩምሉ መረዳእታ

5 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 13/12/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 27/12/2012ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ን ናብ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፀሪ 301 እናመፃእኩም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ትክእሉ

6 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ፣ ንፅሬት ኣቅሑ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ ይግባእ

7 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ጀሚሩ ን ጫረቲ ክፉት ይከዉ

8 ሳንዱቅ ጨረታ 28/12/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ግራት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 45 23 86 /03 42 45 69 33

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo