ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይጋባ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ከተምኡ መሰረተ ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ትራንስፎርመር ንምግዛእ ስለዝደለየን ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ብምቅራብ ትራንስፎርሞርን ብተመሳሳሊ ዓዉዲ ዝተዋፈርኩም ነጋዶን ዉልቀ ትካላትን ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም

ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይጋባ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ በቲ ዘርፊ ቲን ናምበር ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ሞያ ፍቃድ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ተመዝገቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ሰነ 2012ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀዉሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 11/12/2012ዓ/ም ክሳብ 26/12/2012ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይጋባ ምዉሳድ ትክእሉ

4 መኸበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ነቲ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ክልተ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብምፅሓፍ ናብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምእታዉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ከተእትዉ ትክእሉ

6 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 26/12/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

7 ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምትሓዝ ናይ ዝሰዓርዎ መጠን 10 ሚኢታዊ ከትሕዙ ይግባእ

9 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ወይም ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 75 61 88 91/09 77 11 97 68/09 62 59 14 60

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo