ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ን 2012ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ስፔር ፓርት ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ብዘርፉ ዝተመዝገቡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ ዉዕሊ ብምእሳር ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቕርብ / በመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሐደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ አተሓሒዙ ዘቕርብ

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ፣ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ዘቕርብ

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ ንናይ ስፔር ፓርት 5000.00 ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ አለዎ

4 ዋጋ ዝምለአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ንሓደ ዘይምለስ 50 ብር ከፊልኩም ካብ ዕለት 09/12/2012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/12/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል

5ተመልኢ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዐኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 25/12/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ዘእትዉ

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት25/12/2012ዓ/ም ሰዓት8፡30 ድ/ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ይኽፈት

7 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳዳራይ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ክሳብ ሰነ 30/2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ 03 44 41 65 70/ 03 42 41 01 17

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo