ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ሃገረ ሰላም ኣብ ከተምኡ ዝርከባ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ብደረጃ 4ተን ልዕሊኡን ብርኪ ዝርከቡ ጋራዣት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ምስ ሰዓራይ ክሳብ 30 ሰነ 2013ዓ/ም ዉዕሊ ኣሲሩ ክዕድግን ኣጎልግሎት ክረክብን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ሃገረ ሰላም

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ብተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገበ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ወርሒ ሓምለ 2012ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝርዝር ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

5 ደረጃ 4ተን ልዕሊኡን ዝኮነ ነዚ መረጋፂ ካብ መንገዲ መጋዓዝያ  ዝተወሃበ መረዳእታን ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 02 ካብ ዕለት 04/12/2012ዓ/ም ክሳብ 18/12/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወዳደሩ ይክእሉ

7 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ዉሕስና ሎት 1 5000.00 ቅርሺ ጥራሕ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናብ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

8 እቲ ጨረታ 19/12/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ሃገረ ሰላም ይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 43 39 04 91

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo