ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ንተሃነፅቲ ሕጊ ዝዉዕል ምግቢ ኣብ ዝህነፅሉ ቦታ እናቅረቡ ንዝምግቡ ሕጋውያን ነጋዶ ብሕጋዊነት ዝተወደቡ ማሕበራትን ኣጫሪቱ ንሐደ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ከመግብ ይደሊ።

ቤት ህንፀት ኣክሱም

1 ምስ ምግቢ ዝተትሓሐዘ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም 2012/2013ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ 2012/13 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ መለለዩ ቁፅሪ ወይ ድማ ቲን ነምበር ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ምስክር ወረቀት ከምኡዉን ናይ ወርሒ ጉንበት /ሰነ 2012 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ምስ ዘይምለስ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝኸእል።

3 ማሕበራት እውን ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾኑን ብተወሳኺ በቲ ናይ ማሕበር ሕጊን ደንቢን መሰረት ዘማልኡ ከኾኑ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ኣብ ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን ።ከምኡዉን ናይቲ ትካል ሽምን ፊርማን:ኣድራሻን:ክህሉ ኣለዎ ። አብ ምግቢ እትወዳደሩ ተወዳዳሮ ነጋዶ ንሓደ ናይ ሕጊ ተሃናፃይ መዓልታዊ 11 ቅርሺ  በቢ ወርሑ ድማ 660 ቀዋሚ ኮይኑ ምስ ቫቱ ምካኑ ፈሊጥኩም ክትወዳደሩ ይግባእ።

5 እቲ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ኣክሱም ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 ብምቅራብ ንዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 60.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኩም ክትወስዱ ንሕብር።

6 እቲ ጨረታ ዝወፀአኣሉ ዕለት 29/11/2012ዓ/ም ክሳብ 14/12/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረከብ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ትኸእሉ።

7 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት እሱ 14/12/2012 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡ 15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ዘይተረኪቦም ድማ ኣብ ዘየለውሉ ይኽፈት።

8 መኸበሪ ጨረታ ንምግቢ 20000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእል ፤

9 ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም እቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-754682 ምድዋል ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo