ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ዛላንበሳ ን 2013 በጀት ዓምት አብ ከተማኡ ኣብ ዝተፈላያ ቤት ፅሕፈታት ንዝርከባ ዝተፈላየ ዓይነት ሞዴል ዘለዎን መኻይን ሰርቪስ ፅገናን ንምግባር ናይ በዓል ሞያ ጋራዥ ግልጋሎት ንምቕራብ ዝተየፈለለየ ዓይነት ሞዴል ንዘለዎን ሞተር ሳይክላት ፅገናን ሰርቪስን ንምግባር ናይ በዓል ሞያ ግልጋሎት ንምቅራብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ከቕርብ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ዛላንበሳ

1 ናይ ተጫረቲ ሽም ፌርማ ኣድራሻ ማህተም ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ክገብሩ ኣለዎም

2 ንናይ መኻይን ግልጋሎት ፅገናን ሰርቪስ በዓል ሞያ ጋራዥ ናይ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይቲ ዓዉደ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገብሉ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገብሉ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ 2012ዓ/ም ዲክሌር ዝገበረሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ብቕዓት መረጋገፂ ሰርተፊኬትን ንናይ ሞተር ሳይክላት ድማ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይቲ ዓዉደ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ንናይ መኻይን 5000.00 ቅርሺ ንናይ ሞተር ሳይክል 3000.00 ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 13/12/2012ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ከፖይኑ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 5፡30 ይኽፈት

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ 09 10 27 00 81 /09 04 30 78 71

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo