ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ኣክሱም መኪና ን ሞተር ሳይክልን ኣጫሪቱ ክሕርጅ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ኣክሱም

1 ኣይተ ጌታቸዉ ኣባይ ዝተባሃሉ ነባራይ ከተማ ኣክሱም ዝኾኑ ብዘፈር ንግሲ ኮንስትራክሽን ብመለለይ ቁፅሪ ማለት አዉን ብቲን ቁፅሪ 00004738839 ዝፍለጡ ናይ 2007 ን 2008 ግብሪ ዘበን ዘይተከፈለ ግብሪ ዕዳ ስለዘለዎም በቢግዚኡ ዝተወሰነሎም ግብሪ መንግስቲ ብእዋኑ ክከፍሉ ፍቃደኛ ስለ ዘይኮኑ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ኣክሱም ግብሮም ክከፍሉ ፍቃደኛ ዘይኮኑ ሰብ ግብሪ ዕዳ ተኣጊዱ ዝፀንሐ ንብረት ብጨረታ ሸይጡ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ክገብር ከምዘለዎ ብኣዋጅ ቁፅሪ284/2009 ዓንቀፅ 43 ብዝተወሃቦ ስልጣን መሰረት ሽሞም ቅድም ክብል ናብ ዝተጠቀሱ ባዓል ግብሪ ዕዳ ተሽከርከርቲ ብጨረታ ክሽየጣ ከም ዘለዎን ናይ ከተማ ኣክሱም ግብሪ ዕዳ ጨረታ ኮምቴ ብዝወሶኖ መሰረት እቶም ተሽከርከርቲ ንጨረታ ዝወፃ ምኻኖን ፈሊጥኩም ንክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም  

ንጨረታ ዝቀረቡ ዓይነት ተሽከርከርቲ ሚኒባስ መኪና መሳፈሪ ህዝቢ በዝሒ ወንበር 12ሰብ እትሕዝ ናይ ጣልያን ስርሒት ዝኮነት በዝሒ ሓንቲ ታርጋ ቁፅሪ ትግ3-04697 ትጥቀሞ ነዳዲ ናፍጣ መበገሲ ዋጋ ታ መኪና 276000 ቅርሺ 2ይ ሞተር ሳይክል ታርጋ ቁፅሪ 2-0544 ዝኮነት ትጥቀሞ ነዳዲ በንዚን መበገሲ ዋጋ ጨረታ 29200ቅርሺ

2 እተን ተሽከርከርቲ ዝርከባሉ ቦታ ኣብ ቀፅሪ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ስለ ዝኮና ብኣካል ብምካድ ምርኣይ ዝካኣል ምካኑ ይሕብሩ

3 ተጫረቲ ንሓንቲ ወይ ንክልቲኤን ጨረታ ዝቀረባ ተሽከርከርቲ ናይ ምዉድዳር መሰሎም ዝተሓለዎ እዩ

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ከፊሎም ካብ ቁፅሪ ክፈሊ 03 ብሽሞም ክዕድጉ ይክእሉ እዮም

5 መኸበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም

6 እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሓሉ ካብ 22/11/2012ዓ/ም ክሳብ 11/12/2012ዓ/ም ንተከታታሊ 20 መዓልታት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ
7 ሳንዱቅ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሓሉ ግዜ ድማ  12/12/2012ዓ/ም ክሳብ 19/12/2012ዓ/ም ዘሎ ይከዉን

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ 20/12/2012ዓ/ም ሰዓት 03፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይነ ሰዓት03፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከቡሉ ይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 42 75 24 37 / 03 47 75 52 33

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo