ኤጀንሲ ልምዓት ዳኣንት ክልል ትግራይ ሞተር ሳይክላት : ብስክሌት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈርኒቸራትን : ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ

ኤጀንሴ ልምዓት ዳ.ኣ.ን.ት ክልል ትግራይ

ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም::

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ /TIN/  ሰርተፊኬት ከቕርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ /TIN/ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ነይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ድክላሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ንዝትዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘትምለለስ ብር 30 ሰላሳ እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 01 ካብ ዕለት 26/05/2008 ዓ/ም ክሳብ 11/06/2008 ዓ/ም አብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ ነንበይኑ ብሸምዒ ብዘተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ላዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቝፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑን ናይዚ ቤት ዕዩ ሽም ክሕበር አለዎ

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ንናይ ሞተር ሳይክልን ብር 5,000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ/ ን ብስክሌት ብር 8,000.00 / ሸሞንተ ሽሕ/ ንፈርኒቸር ብር 3,000.00 / ሰለስተ ሽሕ/ ንናይ ኤሌክትሮኒክስ ብር 3,000.00 / ሰለስተ ሽሕ/  ብCPO  ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ::

8 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝስዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ዕዩና ስቶር ክፈሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝክእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት 11/06/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት አብ ኤጀንሲ ልምዓት ዳኣንት ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 01 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን

12 ኤጀንሲና  ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከምአዳላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቐሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ::

15 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብባዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

መተሓሳሰቢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342400009 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል

 

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo