ኣብ ወረዳ ዓድዋ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰማያታ ብመንግስቲ ዝተበጀተ በጀት ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ኣብያተ ዕዮ ወይ ድማ ፈርኒቸር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነዚ ዝስዕብ ተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም

ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰማያታ

1 በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድን  ፣ መቕረባይነትን ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበን ዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ ኮይኖም መቅረባይነት ብፌደራል ኣብ መርበብ ሓበሬታ እንተኮይኑ ፕሪንት ገይሮም ከተሓሕዙ ይግባእ

2 ተጫረቲ ናይ 2012ዓ/ም  ግብሪ ናይ ዝከፈሉሉ መረዳእታ  ከተሓሕዙ ይግባእ

3 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባን ናይ ወርሒ ሰነ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም

4 መኸበሪ ጨረታ  50000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ንዝስዓርዎ ንብረት መጓዓዝያን መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕሎ ወፃኢ ዝሽፍኑ ኮይኖም ኩነታት መንገዲ ኣቀዲሞም ክርእዎ ይግባእ

6 ናይ ጨረታ ወጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 30 መዓልቲ ይከዉን

7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ድቅርሺ ብምክፋል ካብ ዝጋወሐሉ 16/11/2012ዓ/ም ክሳብ 30/11/2012ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ምዉሳድ ይካኣል

8 ጨረታ ዝቀርበሉ መዓልቲ 01/12/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይክፈት

9 ቤት ትምህርትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

09 18 30 68 30 /09 45 05 40 34

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo