ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ወረዳና ዝርከባ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ መካይን ፣ ሞተር ሳይክላትን ኣብ 2013 በጀት ዓመት ብጨረታ አወዳዲርና ንዓመት ሙሉእ ብኩንትራት ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎትን ፅገናን ክነካይድ ስለ ዝደለና ዝስዕብ ረቃሒ እተማልኡ ሰብ ጋራዥ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ

1 ሕጋዊ ናይ ጋራዥ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ዝኸፈለን ናይ 2012/13ዓ/ም በጀት ዓመት ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን

2 ናይ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎ

3 ኣብ ኣቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ን፣ ብ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ብቅዓት መረጋገፂ ወረቀት ምስክር ዘቅርብ

4 ልዕል ክብሉ ዝተጠቀሱ መረዳእታታት ዋኑኡን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ብቁዕ ጋራዥ ሓይሊ ሰብን መሳርሕን ዘለዎን ኣብ ተሽከርከርቲ ዝገበሮ ፅገና ንድሕንነትን ፅሬት አፀጋንን ሙሉእ ዉሕስና ክወስድ ዝክእል

6 እቲ ዝግዛእ ናይ ተሽከርከርቲ ኣቅሑት ዋና ምኻኑ አረጋጊፁ ክገጥም ዝክእል

7 ጨረታ መኸበሪ ንዘይሰዓረ ሽዑ ዝምለስ ንዝሰዓረ ዉዕል ምስ አሰረ ተመላሲ ዝኸዉን 3000ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

8 ሰዓራይ ምኻኑ ምስ ተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

9 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ዕደጋ ክወስድ ዝክእል

10 ጨረታ ካብ ዕለት 07/11/2012ዓ/ም ክሳብ 28/11/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስታዊ ስራሕ ሰዓት ኣብ ከይዲ ስራሕና ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ትክእሉ

11 ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/11/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይክፈት

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 42 75 14 84

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo