ቤት ህንፀት መቐለ ን 2013 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ዝተፈላለዩ ፅገናታት ኣጎልግሎት ንምርካብ ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ ሎት1 ቦጥ መኪና ዝስተ ማይ ተምፅእ ሎት2 ቀለም ፕሪንተራት ምምላእ ሎት3 ዝተለዓለ ጉርዲ ፎቶ ምሕፃብ ሎት 4 ንመካይን ንምፅጋን ምስ ዉልቀ ጋራዥ ደረጃ 3ተን ልዕሊኡን ብቅዓት መረጋገፅን ዘለዎም ሎት 5 ጀነሬተር ናይ ማይ ንምፅጋን 2012ዓ/ም ኣጎልግሎት ንምርካብ ብሰብ ሞያ ኣወዳዲሩ ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 በቢ ዘፈሩ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ፣ መረዳእታ መቕረባይነትን ዘለዎ ፣ መፍለይ ቁፅሪ ከፈላይነት ግብሪ ዘሎዎ፣ ኣብ ሎት 1ን 4 ዝወዳደሩ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ኮይኖም በቲ ሓድሽ ኣዋጅ ናይ ሚያዝያ ግንበትን ሰነን 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘቅረብሉ መረዳእታ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ ሎት2ን35ግን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይኮኑ እዉን ክሳተፉ ይክእሉ እዮም

2 ተጫረቲ ዝርዝር  ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 03/11/2012ዓ/ም ክሳብ 17/11/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6 ክወስዱ ይክእሉ

3 እቲ ጨረታ ዕለት 17/11/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ቅ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ዘይተረከብሉ ይክፈት

4 ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ  ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ጨረታ መኸበሪ ሎት 1ን4 10,000 ቅርሺ ሎት2ን3ን5 1000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

6 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን30 ማዓልታት ይኸዉን

7 ቤትፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 14 54

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo