ትካል ኢዛና ማዕድን ልምዓት ኩባንያ ንናይ ሜሊ ወርቂ ማዕድን ግልጋሎት እትዉዕል ሎደር ብዉሰን ጨረታ ቁፅሪ MGP/057/2020 ብዕለት 29/06/2020ዓ/ም/ፈ አወዳዲሩ 6ተ ወርሒ ክካረ ይደሊ ስለዝኾነ ድማ ብቕዓት ዘለኩም ተወዳደርቲ ካብዝይ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ መስፈርት ንክትወዳደሩ ትካልና ብኽብሪ ይዕድም

ትካል መኣድን ምውፃእ ኢዛና

ታ.ቁ

ዓይነት ንብረት

ዝድለ በዝሒ

ትሕዝቶ

1

ሎደር

01

ትሕዝቶ መጠን ኣካፋ 3 ሜትር ኩብ ናይ ሞተር ጉልበት 217 HP

ዝተመረተሉ ዓመት 2016 ዓ/ም/ፈ

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2011ዓ/ም ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት ፣ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት

2 ናይ ሹፌር /ኦፕሬቶር ደመወዝ አበል ናይ ፅገና ወፃኢ ብተጫራቲ ዝክፈል ኮይኑ ነዳዲ ግን ብተኸራያይ ዝሽፈን ይኸዉን

3 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ማሽን ዓቀን ዝገልፅ ሕጋዊ መረዳእታ ሊብሬ ከቕርቡ ይግባእ

4 ቴክኒካል ዶክሜንትን ፋይናንሻልን ዶክሜንትን ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ክቀርብ ይግባእ

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ወይም ኢንቮሎፕ ክሳብ 16/07/2020 ዓ/ም/ፈ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቀለ ኢዛና ማዕድን ልምዓት ኩባንያ ናብ ተምቤን ዓብይ ዓዲ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ናይ ኤስ ኦ ኤስ መስመር ፈለማይ መዕፀፊ ሰላም ህንፃ ቢሮ ብኣካል ብምቅራብ ክትህቡ እትክእሉ ምኻንኩም ንሕብር

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብ ጠቕላላ ዝእተወ ሰዓት ንሓደ ጨረታ ዘእትዎ ማሽን በቲ ስዒቡ ዘሎ ሰደቓ መሰረት ክኣትዉ ይግባእ ብፖስታ ዘይተዓሸገ ስፒኦ ተቐባልነት የቡሉን

7 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo