ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ማእከል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዘገልገለ ዓብይ ናይ ማይ ጀነሬተርን ትራክተርን ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕቡ ረቃሕታት እተማልዙ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

1 ተወዳደርቲ ንተጠቀምቲ ብጨረታ ዝሽየጡ ዓባይ ናይ ማይ ጀነሬተርን ትራክተርን ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዎ ንዝደልዩ ንብረት ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጡን ከእትዉ ይግባእ

2 ኣብ ናይ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ተቀሚጡ ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልዩዎ ዓይነት ንብረት ዋጋ ብምምላእ በዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትዉ ይግባእ

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 22/10/2012ክሳብ 06/11/2012ዓ/ም ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ

4 እቲ ጨረታ ዕለት 07/11/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡30 ኣብ ቤ/ፅ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨሰመንት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ይክፈት

5 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 5000.00 ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50 ብምኽፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ክወስዱ ይኽእሉ

7 ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 2ተ ማዓልቲ ሒሳብ ከፊሉ ንብረቱ እንተዘይወሲዱ ዘትሕዞ  መኸበሪ ጨረታ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና ካዝና ኣታዊ ይግበር

8 ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቅርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የቡሉን

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 48 99 04 23

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo