ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር መቐለ ፕሮጀክት ስራሕ መንገዲ ሰመማ እንዳባጉና ኣብ ዝሰርሖ ፕሮጀክት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓይነት በርሚል ፣ ጎማ ፣ ዝተቃራረፀ ብረትን ፣ ባትርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ብዕለት 4 መጋቢት 2012ዓ/ም ኣዉፅኢዎ ዝነበረ ጨረታ ብሰንኪ ሕማም ኮረና ዝተኣወ ናይ ምንቅስቃስ ገደብ ጠጠዉ ኢሉ ዝነበረ እንትከዉን ሐዚ እቲ ኣዋጅ ስለ ዝተመሓየሸ ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ረቃሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማ

1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ዘረጋግፅ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ

4 ቅድሚ ጨረታ ምዉፅኡ ዘሎ ሓደ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘለዎን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእልን

5 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 50,000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋፀ ቼክ ወይ ድማ ስፒኦ ምስ ናይ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ

6 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስን በዘይተወሳኪ እሴት ታክስን ምኻኑ ብግልፂ ከቕምጡ ኣለዎም

7 ተጫረቲ ዝጫረዎ ንብረት ብኣካል ኣብ ፕሮጀክት ዛና ዝርከብ ኣስፋልት ፕላንት ቀፅሪ ዉሽጢ ናይቲ ፕሮጀክት ካምፕን ኣብ እንዳባ ጉና ኣድቫንስ ካምፕን ምርኣይ ይካኣል

8 ሰነድ ጨረታ ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ፕሮጀክት ፋይናንስ ቢሮ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ካብ ፕሮጀክት ሎጂስቲክስ ምዉሳድ ይካኣል

9 ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከፊሉ ንብረቱ ከልዕል ኣለዎ እንተዘይ ኣልዒሊ ዘትዘሖ መኸበሪ ጨረታ ንቲ ትካል ኣታዊ ኮይኑ እቲ ጨረታ ን2ይ ግዜ ይጫረት

10 እቲ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ 20/10/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 09/11/2012ዓ/ም ንተከታተልቲ 20 መዓልታት ይፀንሕ

11 መኸበሪ ዉሕስና ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ግዜ ጀሚሩ ን 3ተ ኣዋርሕ ይከዉን

12 ሰነድ ጨረታ 09/11/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ዝክፈት ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

13 እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 14 77 58 47 /09 11 81 89 92 /09 14 73 44 78

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo