ከተማ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ጨረታ አፈ/ኸሳሲት ወ/ሮ ማዕርነት ኪሮስ አፈ/ተኸሳሲ ኣይተ ሰሎሞን አስፋዉ መንጎ ብዘሎ ናይ አፈፃፅማ ክርክር

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ መቐለ

1 ብሽም አፈ/ከሳሲትን አፈ/ተኸሳስን ዝፈለጥ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ ዕዳጋ ዝርከብ ብምብራቕ ኮሪደር ብምዕራብ 046 ፣ ብሰሜን ስቴር ኬዝ ፣ ብደቡብ -048 ናይ ንግዲ ቦታ ቁፅሪ ደብሪ 0 ቁፅሪ ህንፃ A ቁፅሪ ገዛ 047 መለለይ ቁፅሪ 38153 ዝተመዝገበ 27.45 ካሬ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ገዛን ቦታን ግምት መበገሲ 139,034.88 / ሓደ ሚኢትን ሳላሳን ትሽዓተን ሽሕን ሳላሳን ኣርባዕተን 88/100/ ብር

2 ብሽም አፈ/ ተኸሳሲ ዝፍለጥ ገዛን ቦታን ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ ዝርከብ መንበሪን ድርጅትን ብምብራቕ መንገዲ ብምዕራብ ሃ/ማርያም ካሕሳይ ብሰሜን A ብደቡብ ኣስራለቃ ረዳኢ ዝዋሰን 150 ሜትር ካሬ ዝኾነ ግምት መበገሲ 53018785 /ሓምሽተ ሚኢትን ሰላሳን ሽሕን ሓደ ሚኢትን ሰማንያን ሸዉዓተን 85/100 ብጨረታ ሰለ ዝሸየጥ ክጫረት ዝደሊ ኣካል

ኣብ ተራ ቁፀሪ 1 ዝተቐጠሰ ገዛን ቦታን ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት 22/10/2012ዓ/ም ካብ ሰዓት 3፡00 -6፡00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብቲ ገዛን ቦታን ዝርከበሉ ቦታ ይኸዉን

ናይ ክልቲኡ ናይ ጨረታ ዉፅኢት ድማ ዕለት 23/10/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ይቀርብ

ጨረታ መኸነፍቲ ቀጥታ ኣሸናፊ ናይቲ ዘሸነፍዎ 25% ዘትሕዙ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ጠቕሊሎም ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ ኣካላት ኣብቲ ሕድሕድ ቦታ ዝርከበሉ ብኣካል ብምቕራብ ንክጫረቱ ከተማ መቐለ ማእ/ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

ናይቲ ቦታ ኣድራሻ

እቲ ካሬ ሜትር ማእከል ዕደጋ ቀዳማይ ወያነ ኣድራሻ ቁፅሪ ሀ

እቲ 150 ካሬ ቀበሌ 14 ካልኣይ ቦታ እንዳቦ ፍቃዱ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo