ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር ዘገልገለ ሪሳይክል ማተርያል 2 ሚኢቲ ሽሕ ኪ.ግ /ብርች30 ሺሕ ኪ.ግ ጭረት 10 ሺሕ 4 ሺሕ በዝሒ ዘለዎም ማንትራክ ጎማ 2 ሚኢቲ በዝሒ ዘለዎም ባትሪታት ማንትራክ ብቁፅሪ 2 መኢቲ ስራሕ ፍቃድ ንዘለዎም ተጫረትቲ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ። ስለዝኾነ እዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልኡ ታጫረትቲ ንክጫረቱ ይዕድም።

ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ

1 እዚ ጨረታ እዙይ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ፕሮፎርማ (ናይ ዋጋ መቅረቢ) በሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 19/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ናብ መሰቦ ሲሚንቶ ፋብሪካ ክቕረቡ ኣለዎም።

2 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይቲ ስክራፕ ኩነታት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 13/10/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 19/10/2012 ዓ/ም ብኣካል ስክራፕ ንብረት ኣብ ዝርከበሉ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር ሓፁር ውሽጢ መፂኦም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም።

3 ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 100.00 እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 105 ይኽእሉ።

4 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ምስ ጨረታ ሰነዶም ከቅርቡ ኣለዎም።

5 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ ውሕስና ናይቲ ዘትሐዝዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 % ብመልክዕ ሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም።

6 እቲ ጨረታ 19/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 9:00 ተጫረትቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።

7 ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-409772 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo