ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንአላማጣ ህንፃ ዝከዉን Wood door ን plastic tall ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ማሕበር መናእስይ ትግራይ
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
  2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
  3. ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
  4. ናይ ኮንስትራክሽን ኣቑሑ ተወዳደርቲ ዝኮንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይዚ ወርሒ ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ::
  5. መክበሪ ጨረታ ብረ 2000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::
  6. ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 23/05/2008 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 3/6/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትግራይ ይኽፈት
  7. ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ምም/ር ካብ ካሸር 50 ብር እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 23/05/2008 ክሳብ ዕለት 03/06/2008  ሽም"ኣድራሻ ፌርማ"ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::
  8. አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ክረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀእ ስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰ ተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን::
  9. መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብCPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::
  10. ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽን ምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ
  11. አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከምዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ
  12. ልዕሊ 10000 /ዓሰርተሽሕ/ ብር አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል::
  13. ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን
  14. መ/ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo